Webbplatsen använder teknik som troligen inte stöds av din webbläsare som exempelvis Internet Explorer 11. Vissa saker kan se konstiga ut eller inte fungera. Vi rekommenderar att du byter till en modern webbläsare istället.

Gå direkt till huvudinnehållet

Tigrinska

ናብ ናይ ምዕራባዊ ዮታላንድ ህዝባዊ ማእከል ክንክን ኣስናን ብደሓን ምጹ።

ናባና ክትመጽእ እንከለኻ፡ ኣቐዲምካ ክትፈልጦም ዘለካ ኣገደስቲ ነገራት

ህዝባዊ ማእከል ክንክን ኣስናን ኣብ መላእ ሽወደን ኣሎ። ህዝባዊ ማእከል ክንክን ኣስናን ምዕራባዊ ዮታላንድ ድማ፡ ኣብ ኩለን 49 ምምሕዳራት ምዕራባዊ ዮታላንድ ኣሎ።

ኣብ ምዕራባዊ ዮታላንድ፡ ክሳብ እታ 23 ዓመት ዝመላእካላ ዓመት፡ ነጻ ናይ ክንክን ኣስናን ኣገልግሎት ትረክብ። ካብዚ ንላዕሊ ዕድመ ንዝደፋእካ ድማ ክልተ ምርጫታት ኣሎካ፡ ንስን ድማ፡ ወይ ድሕሪ ናብ ማእከል ክንክን ኣስናን ምብጻሕካ ብቐጥታ ምኽፋል፡ ወይ ድማ ክንክን ጥዑይ ኣስናን ማለት ክንክን ኣስናን ብቀዋሚ ኮይኑ ግን ወርሓዊ ዝኽፈል ክፍሊት። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዑይ ኣስናን ወይ ድማ ዋጋታት ናይ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ፡ ምስቶም ብቐጻሊ እትራኸቦም ማእከል ጥዕና ኣስናን ተዘራረብ። ናብ ሓደ ማእከል ክንክን ኣስናን ብቐጻሊ ርክብ ምስ ዘይጸንሓካ ግን፡ ምስቲ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ህዝባዊ ማእከል ክንክን ኣስናን ተራኸብ።

ክንክን ኣስናን ኣብ ህጹጽ ኩነታት

ኣብ ህጹጽ ወይ ሃንደበታዊ ጸገማት፡ ብቐዳምነት ናብ'ቲ ብተኸታታሊ እትኸዶ ማእከል ጥዕና ኣስናን ተወከስ። ምስ ማእከል ክንክን ኣስናን ርክብ ምስ ዘይጸንሓካ ድማ፡ ናብ'ቲ ናይ ከባቢኻ ዘሎ ህዝባዊ ማእከል ክንክን ኣስናን ብምርኻብ ምኽሪ ሕተት። እቲ ማእከል ጥዕና ዕጹዉ ምስዝኸዉን ድማ፡ ኣብ'ቲ ትርከቦ ከባቢ ዝርከብ ናይ ህዝባዊ ክንክን ኣስናን፡ ጨንፈር ህጹጽ ክንክን ኣስናን ተራኸብ። ናብ ሓበሬታ ክንክን ሕማም፡ ብቁጽሪ ስልኪ 1177 ብምድዋል'ዉን ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል።

ኣስተርጓሚ

ኣብ ናይ ቀጻሊ ቆጸራኻ ምስ ህዝባዊ ማእከል ክንክን ኣስናን፡ ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ዘድልየካ ምስ ዝኸዉን፡ ምስ ማእከል ጥዕና ኣስናን ብምርኻብ ሓብር። ናይ ኣስተርጓማይ ሓገዝ፡ ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ።

መዘኻኸሪ ብኤስ ኤም ኤስ ወይ SMS

ናይ ሞባይል ቁጽሪ ስልክኻ ሂብካ ምስ እትኸዉን፡ ሓደ ክስብ ክልተ መዓልታት ኣቐዲሙ፡ ናይ ቆጸራኻ መዓልቲ ብኤስ ኤም ኤስ SMS መልእኽቲ ብምልኣኽ የዘኻኽረካ። ኮይኑ ግን እቲ ናይ ኤስ ኤም ኤስ SMS መልእኽቲ ብዝኾነ ናይ ተክኒክ ጸገማት እንተዘይበጽሓካ፡ እቲ ዝተዋህበካ ቆጸራ ንዓኻ ሕዙእ እዩ።

ምምሕልላፍ ወይ ምቕያር ዘሎካ ቆጸራ

ናብ ዝተዋህበካ ቆጸራ ክትመጽእ ዘይትኽእል ምስ እትኸዉን፡ ባዕልኻ፡ ብሓገዝ ኣብቲ ናይ ቆጸራ ወረቐትካ ዘሎ ናይ ሚስጢር ቃለት ብምጥቃም፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታና webbplats www.folktandvarden.se/vgregion ብምእታዉ፡ "ቆጸራኻ ንኻልእ መዓልቲ ክትቅይሮ" ትኽእል። ናብ ናይ ማእከል ክንክን ኣስናን ናይ ቀጥታ ስልኪ ቁጽሪ ብምድዋል ወይ ድማ ኢ-መይል ብምልኣኽ'ዉን ቆጸራኻ ክትቅይር ትኽእል። ምሳና ናይ መራኸቢ ሓበሬታት፡ ብቐሊሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.vgregion.se/folktandvarden/hittamottagning ብምእታዉ ክትረክብ ትኽእል።

ቆጸራኻ ክትስርዝ ምስ እትደሊ፡ ኩሉ ግዜ ምስ'ቲ ማእከል ተራኸብ

ቆጸራኻ ናይ መስራዝ ሓሳብ ምስ ዝህልወካ፡ ብዝቐልጠፈ ሓብረና። ምኽንያቱ እቲ ናይ ቆጸራኻ ግዜ ንኻልእ ክንህቦ ስለ ዝሕግዘና። ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ነቲ ማእከል ክንክን ኣስናን ብስልኪ ኮነ ብኢ-መይል እንተደንጎኻ ሰዓት 12 ደሮ ናይ ቆጸራ መዓልትኻ ኣፍልጥ። ኣብታ ናይ ቆጸራ መዓልትኻ ብሕማም ምኽንያት ክትመጽእ ዘይትኽእል ምስ እትኸዉን፡ እንተደንጐኻ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰዓት ድሕሪ ማእከል ክንክን ኣስናን ምኽፋቱ፡ ደዊልካ ሓብር።

ኣብ ቆጸራ ከይመጸ ዝተረፈ ይኸፍል እዩ (እዚ ድማ ንቆልዓ ኮነ ዓቢ ይምልከት)

ኣብ ቆጸራኻ ደንጕኻ ምስ እትመጽእን ከይመጻእካ ምስ እትተርፍን፡ ነቲ ዝተመደበልካ ቆጸራ ክትከፍለሉ ትግደድ። ደንጕኻ ቆጸራኻ ምስ እትስርዝ'ዉን ብተመሳሳሊ።

ንዝወሃበካ ኣገልግሎት ብኸመይ ክትከፍሎ ከምእትደሊ ምረጽ

ንኣገልግሎት ክንክን ኣስናንካ፡ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብናይ ባንካ ካርድ ክትከፍሎ ትኽእል። ገለ ገለ ማእከል ክንክን ኣስናን ናይ ካርድ ክፍሊት ጥራሕ እየን ዝቕበላ። ኣብቲ እትኸዶ ማእከል ክንክን ኣስናን ከመይ ዓይነት ኣከፋፍላ ከምዝቕበሉ ንምፍላጥ፡ ምስኦም ተራኸብ።

ብዝተግበረልካ ኣገልግሎም ዕጉብ ምስ ዘይትኸዉን

ንሕና፡ ኣብ ህዝባዊ ማእከል ክንክን ኣስናን፡ ንስኻ ከምተገልጋሊ፡ ብሓካይም ኣስናን፡ ኣለይቲ ጽርየት ኣስናን ኮነ ናይ ኣስናን ነርሳት ዝወሃበካ ኣቀባብላን ክንክንን ኣገልግሎትን ዕጉብ ክትከዉን'ዩ ዕላማና። ኮይኑ ግን ብዝኾነ ምኽንያት ዕጉብ ምስዘይትኸዉን፡ መታን ክንመሓየሽ ክትሕብረና ብጣዕሚ ድልየት ኣለና።

ብመጀመርያ ምስ ኣላዩኻ ተራኸብ'ሞ እንታይን ስለምንታይን ከምዘየዕገበካ ተዘራረብ። ድሕሪ'ዚ ድማ ኢኻ ናብ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ማእከል ክንክን ኣስናን ክትሓልፍ እትኽእል።

ርእይቶታትካ ብኢ-መይል ናብ ህዝባዊ ማእከል ክንክን ኣስናን ሓላፍቲ ዓይነታዊ ብቕዓት ክትሰድድ'ዉን ትኽእል ኢኻ፡ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ፡ synpunkter.folktandvarden@vgregion.se እዩ።

ሕቶታት

ዝኾነ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ፡ ኩሉ ግዜ ናብ ህዝባዊ ማእከል ክንክን ኣስናን ክትመጽእ ሓንጎፋይ ኢልና ንቕበለካ። በመጀመርያ ምስ'ቲ ብቐጻሊ እትኸዶ ማእከል ጥዕና ተራኸብ።